ሬድዮ  ቫቲካንሬድዮ  ቫቲካን
ሬድዮ  ቫቲካን  

ክፍልታት


  ናይ ፍቕሪ ሥራሕን
   ምትኅብባርን



  ቤተ ክርስቲያን


  ባህልን ኅብረተ-ሰብን


  ናይ ቫቲካን መዛግብ

  ሲኖዶስ


  ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን


  ሥድራ ቤት


  መንእሰያት


  ፍትሕን ሰላምን


  ፖሊቲካ


  ሃይማኖትን ዘተን


  ፍልጠትን ሥነ-ምግባርን


  ጕባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት
   መልአከ እግዚአብሔርን



  ሐዋርያውያን ዑደታት


cx_t06


ገጽ መርበብ ሓበሬታ > ቤት ክርስቲያን > ዜናታት


24/07/2010 14.12.37



ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ንእግዚኣብሔር ጽን ምባል







ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዝሓለፈ ዕለት 7 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ንናይ ለብዘበን ሓጋዕ ዕረፍቲ ኣብ ከተማ ካስተልጋንዶልፎ ናብ ዝረከብ መንበር ር.ሊ.ጳ. ከምዝኸዱ እንክፍለጥ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ እዋን ዕረፍቲ ብዝያዳ ድምጺ ኣግዚኣብሔር ጽን እንብለሉ ምቹእ ጊዜ ኢዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማኅተም ሓላፊ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ እንታይ ይመስል ኣብ ዝብል ሕቶ ተመርኲይዞም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፣ ኣብ ጽሞናን ጸሎትን ኣስተንትኖን ብፍላይ ድማ ናይታ ኣብ 2007 ዓ.ም. ተሓቲማ ንንባብ ዝበቐዔት ኢየሱስ ናዝራዊ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደርስዋ ቀዳመይቲ መጽሓፎም መቐጸልታ ተኸታታሊት ካልአይቲ መጽሓፍ ኣብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማትን ትንሳኤን ዘማእከለት ድሮ ንቤት ማኅተም ናይ ዝቐረበት መቐጸልታ ተኸታታሊት ሳልሳይ ክፍሊ መጽሓፎም ኣብዚ እዋን ናይ ሓጋይ ዕረፍቶም ኣብ ምጥንቓቕ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እታ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ መጽሓፎም ገና ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይተሓረዩ ኣብ 2003 ዓ.ም. ከሰናድውዋ ከምዝጀመሩን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተከታሊ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ፣ ኣብ እዋን ሓጋይ ዕረፍቶም ብዘይ ምቁራጽ ከምዝቐጸለዋን፣ እነሆ እታ ቀዳመይቲ ክፍሊ ናይታ መጽሓፍ ኣብ 2007 ዓ.ም. ተሓቲማ ንንባብ በቒዓ፣ እታ ካልኤይቲ ድማ ድሮ ንቤት ማኅተም ዝቐረበት ኣብ ዝመጽዕ እዋን ኣየት ተሓቲማ ንንባብ ክትበቅዕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ እንተ ላእለ ኵሉ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መወከሲት ከይና ከምዘገልገለት እውን ዘኪሮም፣ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍላይ ድማ ወንጌል ብዓይኒ ቲዮሎጊያን መንፈሳውነትን ከመይ ጌርካ ከተንብቦን ወንጌል ብዕምቆት ብምንባብ ምስቲ ናይ ታሪኽን ናይ እምነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ጌርካ ንምርኻብ ከም እትኽእል እትመርሕ ኣብነት ኢያ ምስ በሉ፣ ብሓቂ ኩላትና ነቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ንፍጥረት ሰብ ናይ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ማእከል ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንረኽቦን ክንፈልጦን እተድግፍ ተኸታታሊት መጽሓፍ ኢያ። ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝተወፈየ ኢዩ ኢሎም፣ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሰናይ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ እዋን ተመንዮም እቲ ርእሰ እንቀጽ ደምደሙ።


« ናብ መውፅእ ኣርእስቲ ተመለሱ






28/07/2010 9.15.15
ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ



24/07/2010 14.15.48
ዛምቢያ፦ ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ቅዋም ሃገር



17/07/2010 15.40.49
ሕገ ቆኖና ቤተክርስትያን ጸረ ዓበይቲ ገበናት፡

 



17/07/2010 15.31.38
ረዲኤት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንሃዪቲ ፡



17/07/2010 14.20.04
ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቀርመሎስ




ተዛማዲ ክፍልታት


ዝኀለፈ
  ገጽ  ዝኀለፈ ገጽ
ገጽ
  መርበብ ሓበሬታ  ገጽ መርበብ ሓበሬታ
ናብ
  ክፍሊ ምስንዳው
  መደባት ንምጽሓፍ  ናብ ክፍሊ ምስንዳው መደባት ንምጽሓፍ
top
top
All the contents on this site are copyrighted . Webmaster / Credits / Legal Conditions
top
top